Posts

 ቀዳሞት ደቂ-ተባዕትዮ ኣብ ፕላኔት ማርስ’ዮም ዝነብሩ ነይሮም።  ነዊሕ ይገብር ሓደ መዓልቲ’ዩ ቴለስኮፕ ተጠቂሞም ካብ ፕላኔቶም ወጻኢ እናፈተሹ፡ ንፕላኔት ቬኑስ ረኺቦም። ኣብ ውሽጣ ድማ ምልኩዓት ደቂ ኣንስትዮ ርእዮም። እዞም ማርሳዊያን ንቬኑሳዊያን ምስ ርኣዩ፡ ቅድሚ ሕጂ ዘይፈልጥዎ ፍሉይ ስምዒት ተሰሚዕዎም። ኣይደንጐዩን ድማ ናይ ጠፈር መጐዓዝያ ብምምሃዝ ናብ ቬኑስ በሪሮም። ቬኑሳዊያን እዛ መዓልቲ እዚኣ ከም እትመጽእ፡ ብተፈጥሮኣዊ ግንዛበ ትጽቢት ነይሩወን’ዩ። ቬ ኑ ሳ ዊ ያ ን ንማርሳዊያን ኣእዳወን ብ ም ዝ ር ጋ ሕ ጽቡቕ ኣቀባብላ ገይረናሎም። ልበን ተኸፊቱ ቅድሚኡ ዘይፈልጣኦ ናይ ፍቕሪ ስምዒት ኣብ ውሽጠን ፉሕፉሕ ኢሉ። እዚ፡ ጆን ግሬይ ዝጸሓፎ ዛንታ’ዩ። ንረዳዳእ፡ ቬኑሳዊያን ማለት ደቂ-ኣንስትዮ፡ ማርሳዊያን ከኣ፡ ደቂ- ተባዕትዮ። ኩሉ እንትናዊ ናይ ባህሪ ፍልልያትና ንምግላጽ፡ ጆን ኣብ ሓቂ ተሞርኲሱ ዝሰኣሎ ኣእምሮኣዊ ፈጠራ’ዩ። በሉ እስኪ ንቐጽሎ ነቲ ዛንታ፦ ኣብ መንጎ ማርሳዊያንን ቬኑሳዊያንን ዝተፈጥረ ፍቕሪ ተኣምራታዊ’ዩ ነይሩ። ብምድግጋፍን ዘለዎም ብምምቃል፡ ሓቢሮም ብምንባሮምን ኣዝዮም ሕጉሳት ነይሮም። ካብ ዝተፈላለያ ዓለማት ብምዃኖም ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ናይ ባህሪ ፍልልይ፡ ፍሉይ ደስታ ፈጢሩሎም። ንኣዋርሕ ብዛዕባ ሓድሕዶም ክጸናንዑ ኣሕሊፎሞ። ኣብ መንጎኦም ዘሎ ፍልልይ ብምጽናዕ፡ ብዛዕባ እቲ ኣዝዩ ዝተፈላለየ ድልየቶም፡ ምርጫኦም፡ ንድፊ ባህርያቶምን ኣዝዮም ተድኒቖም። ብፍቕርን ውህደትን ድማ ዓመታት ኣሕሊፎም። ብድሕሪ’ዚ፡ ሓቢሮም ናብ’ዛ ዘለናያ ፕላኔት ምድሪ ክግዕዙ ወሲኖም። ኣብ’ቲ መጀመርታ ጥጥሑን ምቁርን ግዜ ኣሕሊፎም። ብሰንኪ ኩነታት ኣየር ቁርሲ ሰንበት ማርሳዊያንን ቬኑሳዊያንን ምድሪ ግን፡ ኩሉ’ቲ ኣብ ኣእምሮኦም ዝነበረ ክ
Recent posts