ቀዳሞት ደቂ-ተባዕትዮ ኣብ ፕላኔት
ማርስ’ዮም ዝነብሩ ነይሮም።
ነዊሕ ይገብር ሓደ መዓልቲ’ዩ ቴለስኮፕ ተጠቂሞም ካብ ፕላኔቶም ወጻኢ እናፈተሹ፡ ንፕላኔት ቬኑስ ረኺቦም። ኣብ ውሽጣ ድማ ምልኩዓት ደቂ ኣንስትዮ ርእዮም። እዞም ማርሳዊያን ንቬኑሳዊያን ምስ ርኣዩ፡ ቅድሚ ሕጂ ዘይፈልጥዎ ፍሉይ ስምዒት ተሰሚዕዎም። ኣይደንጐዩን ድማ ናይ ጠፈር መጐዓዝያ ብምምሃዝ ናብ ቬኑስ በሪሮም። ቬኑሳዊያን እዛ መዓልቲ እዚኣ ከም እትመጽእ፡ ብተፈጥሮኣዊ ግንዛበ ትጽቢት ነይሩወን’ዩ። ቬ ኑ ሳ ዊ ያ ን ንማርሳዊያን ኣእዳወን ብ ም ዝ ር ጋ ሕ ጽቡቕ ኣቀባብላ ገይረናሎም። ልበን ተኸፊቱ ቅድሚኡ ዘይፈልጣኦ ናይ ፍቕሪ ስምዒት ኣብ ውሽጠን ፉሕፉሕ ኢሉ። እዚ፡ ጆን ግሬይ ዝጸሓፎ ዛንታ’ዩ። ንረዳዳእ፡ ቬኑሳዊያን ማለት ደቂ-ኣንስትዮ፡ ማርሳዊያን ከኣ፡ ደቂ- ተባዕትዮ። ኩሉ እንትናዊ ናይ ባህሪ ፍልልያትና ንምግላጽ፡ ጆን ኣብ ሓቂ ተሞርኲሱ ዝሰኣሎ ኣእምሮኣዊ ፈጠራ’ዩ። በሉ እስኪ ንቐጽሎ ነቲ ዛንታ፦ ኣብ መንጎ ማርሳዊያንን ቬኑሳዊያንን ዝተፈጥረ ፍቕሪ ተኣምራታዊ’ዩ ነይሩ። ብምድግጋፍን ዘለዎም ብምምቃል፡ ሓቢሮም ብምንባሮምን ኣዝዮም ሕጉሳት ነይሮም። ካብ ዝተፈላለያ ዓለማት ብምዃኖም ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ናይ ባህሪ ፍልልይ፡ ፍሉይ ደስታ ፈጢሩሎም። ንኣዋርሕ ብዛዕባ ሓድሕዶም ክጸናንዑ ኣሕሊፎሞ። ኣብ መንጎኦም ዘሎ ፍልልይ ብምጽናዕ፡ ብዛዕባ እቲ ኣዝዩ ዝተፈላለየ ድልየቶም፡ ምርጫኦም፡ ንድፊ ባህርያቶምን ኣዝዮም ተድኒቖም። ብፍቕርን ውህደትን ድማ ዓመታት ኣሕሊፎም። ብድሕሪ’ዚ፡ ሓቢሮም ናብ’ዛ ዘለናያ ፕላኔት ምድሪ ክግዕዙ ወሲኖም። ኣብ’ቲ መጀመርታ ጥጥሑን ምቁርን ግዜ ኣሕሊፎም። ብሰንኪ ኩነታት ኣየር ቁርሲ ሰንበት ማርሳዊያንን ቬኑሳዊያንን ምድሪ ግን፡ ኩሉ’ቲ ኣብ ኣእምሮኦም ዝነበረ ክሃስስ ጀሚሩ። ሓደ ንግሆ ድማ፡ ከም ሕማም ምርሳዕ ዝሓመመ ሰብ ኩሉ ዝሓለፈ ነገር ካብ ኣእምሮኦም ተደምሲሱ ሓደረ። ካብ ዝተፈላለያ ፕላኔታት ከም ዝመጽኡን፡ ዓቢ ፍልልይ ከም ዘለዎምን ረሲዖሞ። ስለ’ዚ እዩ ከኣ ካብ’ቲ ግዜ’ቲ ጀሚሮም ክሳብ ሕጂ፡ ደቂ-ተባዕትዮን ደቂ-ኣንስትዮን ኣብ ግጭት ይነብሩ ዘለዉ። ኣብ’ዚ እዋን እዚ ኣብ ዓለም ኣድላይነት ሓዳር ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ክሳብ ምእታው’ዩ በጺሑ ዘሎ። ብፍላይ ኣብ’ቲ ምዕቡል ዓለም ዝባሃል ዘሎ ሓዳር ማለት፡ ከም’ዚ ክዳን’ዩ። ትፍትኖ እሞ እንተፈተኻዮ ትኽደኖ። እንተዘይኮነ ትቕይሮ - በቃ! ወረ ብኩንትራት ምምርዓው እውን ኣሎ። ንኽልተ ሰለስተ ዓመት ኩንትራት ኣቲኻ ትምርዖ። እንተጠዓመካ ኩንትራትካ ተመሓይሽ፡ እንተዘይ ኮይኑ ትፈላለ። ወይ ጉድ ሰብኣዊ ክብርና ተረሲዑ ነቲ ስምዒታዊ (እንስሳዊ) ባህሪ ክሳብ ክንደይ ተቐቢልካ ኣብ ምምእዛዙ ተበጺሑ ዝገርም’ዩ። ንኣጠማምታ ምዕራባውያን ኣብ መርዓ ካብ ዋዛታቶም ንተዓዘብ። • ‘እሙናት ኣዝማድካ ኣብ ክፉእ ግዜ፡ ኣብ ድሕሬኻ ኣለዉ። ነዚ ንምርግጋጽ ናይ መርዓ ስእሊ ንርአ’ • ሰበይቲ፦ ስማዕ እስኪ ነዚ ናይ መርዓና ምስክር ወረቐት ልዕሊ ሰዓት ተዓዚብካዮ፡ ናይ ደሓን? ሰብኣይ፦ ዝወድቀሉ ዕለት’የ ዝደሊ ዘለኹ። • ‘መርዓ ኣብ ገነት እንድሕር ተፈጺሙ፡ ኣብ ሲኦል እንታይ ክካየድ ይኽእል’ • ቈልዓ፦ ባባ ንኽትምርዖ ክንደይ ገንዘብ የድሊ? ኣቦ፦ ኣይፈለጥኩን ዝወደይ ገና ኣብ ምኽፋል’የ ዘለኹ። • ብናይ ሞባይል መልእኽቲ ምዝርርራብ ሰብ ሓዳር ሰብኣይ፦ ፍቕረይ ምእንታኺ ክብል ናብ ጫፍ ዓለም ክበጽሕ’የ። ሰበይቲ፦ ኣዝየ’የ ዘመስግን ግን በጃኻ ከም ዘይትምለስ ቃል እተወለይ። • ነብሪ ናይ መርዓ ጽምብል ኣዳልዩ፡ ንኹሎም ኣናብር ዓዲሙ። ኣብ ማእከል’ቲ ጓይላ ግና፡ ሓደ ድሙ ክትስዕስዕ ርእዩ። ነብሪ፦ መን ደኣ ኣፍቂዱልካ ናብ’ዚ ክትኣቱ? ድሙ፦ ጋግኻኒ ዶ? ቅድሚ መርዓይ ነብሪ’የ ነይረ። እዚ ዋዛታት ክሳብ ክንደይ ንመርዓ ብኣዝዩ ዘፍርሕ ምስሊ ይ ገ ል ጽ ዎ ’ ዩ ዝሕብር። ጭሕሚ ጎረቤትካ ክላጸ ጭሕምኻ ማይ ልኸ’ዩ። እዚ ኩነታት ናብ ሕብረተ-ሰብና ገጹ ይቀላቐል ከም ዘሎ ምልክታት ኣሎና። ‘ፍትሕ ፍታሕ’ዩ’ ዝብል ኣበሃህላ ካበይ’ዩ መንቀሊኡ ምምርማር ከድሊ’ዩ። ብዓቢኡ እዚ ኣብ ምዕራባዊያን ተኸሲቱ ዘሎ ናይ ሓዳር ምቅዋስ፡ መበገሲኡ ኣለሊና ውሕጅ ከይመጽአ መንገዲ ውሑጅ ምጽራግ ኣገዳሲ’ዩ። ብሓቂ ድዩ ግን መርዓ ከም’ዚ በዚ ዋዛታት ዝግለጽ? እንታይ’ዩ ናብ’ዚ ደረጃ ኣዕሪጉዎ? ስለንምታይ’ዩ ኣብ መንጎ ሰብ ሓዳር ዜሮ ተጸዋርነት ተበጺሑ? እዚ ሕቶታት ክምለስ ኣለዎ። ጆን ግሬይ ኣብ ዓለም ኣብ መንጎ ሰብ ሓዳር ዘሎ እልቢ ዘይብሉ ዘይምርድዳእ፡ መፍትሒ ከም ዝረኸበ’ዩ ኣብ ጽሑፉ ዝገልጽ። እዚ ድማ “ኣብ መንጎ ደቂ-ተባዕትዮን ደቂ-ኣንስትዮን ዘሎ ፍልልያት፡ ካብ ዘይምፍላጥ’ዩ እቲ ጸገም” ኢሉ’ዩ እዚ ጸሓፊ ዝምጕት። ነዚ ንምፍላጥ ድማ፡ ማርሳዊያን ቬኑሳዊያን መን ምዃኖም፡ ካበይ መጺኦም? ከካብ መቦቆል ፕላኔቶም ሒዞምዎ ዝመጽኡ ዝተፈላለየ ባህሪ፡ ኣተሓሳስባ፡ ድልየት፡ ኮታስ ስነ-ኣእሙምሮኣዊ ኩነቶም ተመሊስና ምፍላጡ ከድልየና’ዩ። ነዚ ካብ ጽሑፍ ጆን ግሬይ ተበጊስና፡ ኣብ ዝቕጽል ሰንበት ክንርእዮ ኢና። ብሩኽ ቕነ።

Comments
Post a Comment